ኣብ ትግራይ ፕሮጀክት መኣዲ ንወለዶ ዝኾነ ህንፀት ሎጂ ገርዓልታ ውፅኢት ሰላም ልምዓት ምዃኑ ብግብሪ መርኣያ ዝኾነ ፕሮጀክት እዩ -አብራሃም በላይ/ዶ/ር - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ትግራይ ፕሮጀክት መኣዲ ንወለዶ ዝኾነ ህንፀት ሎጂ ገርዓልታ ውፅኢት ሰላም ልምዓት ምዃኑ ብግብሪ መርኣያ ዝኾነ ፕሮጀክት እዩ -አብራሃም በላይ/ዶ/ር
መቐለ /ሕዳር 14/2017/ኢዜአ/ ኣብ ትግራይ ፕሮጀክት መኣዲ ንወለዶ ዝኾነ ህንፀት ሎጂ ገርዓልታ ውፅኢት ሰላም ልምዓት ምዃኑ ብግብሪ መርኣያ ዝኾነ ፕሮጀክት እዩ ክብሉ አብራሃም በላይ/ዶ/ር ተዛሪቦም ።
ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንወለዶ ዝኾነ ህንፀት ሎጅ ገርዓልታ ብኣካል ተረኺበ ዘለሉ ከይዲ ክርኢ ብምኽኣለይ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን ክበሉ ዶክተረ አብራሃም በላይ ገሊፆም።
ውፅኢት ሰላም ልምዓት ምዃኑ ብግብሪ መርኣያ ዝኾነ ፕሮጀክት እዩ።
ፕሮጀክት ሎጅ ገርዓልታ ብመዳይ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ፤ ንከባቢ ሓደ ሽሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ፕሮጀክት ምኹኖም ሓቢሮም።
ብቐንዱ ድማ፥ ንሃፍቲ መባፅሕ ቱሪዝም ግድምታትን ገዳማትን ገርዓልታ ፅባቐን ድምቀትን ልዕል ዘብል፣ ተወሳኺ በፃሕቲ ዝስሕብን ዝዕድምን ሎጅ ፅሬቱ ብዝሓለወ ብፅፈት እናተሃንፀ ተዓዚብና ኣለና ዝበሉ ዶክተር አብራሃም በላይ ሰላም እንተፅኒዕና፣ ህድኣትን ሓድነትን ህዝብና እንተዕሲልና፣ ዘለና ሃፍቲ ሰብን ተፈጥሮ ዝዓደለና ፀጋ ናብ ረብሓ ብምልዋጥ ዳግመ-ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ብዝሓሸ ብርኪ ክነረጋግፆ ከምእንኽእል መርኣያና እዩ ክብሉ አመላኺቶም።
ህዝብና፣ ህዝቢ ትግራይ እውን ሰላምን ህድኣትን እንተረኺቡ፣ ህድኣቱን ሓድነቱን ኣረጋጊፁ ናብ ግብራዊ ልምዓትን ዕብየትን ዝልውጥ ቆራፅን ናይዚ ትውልዲ መራሒ ክረክብ አለዎ ክብሉ ዶክተር አብራሃም ገሊፆም።
ዓድና ትግራይ ብዘይምንም ድጋፍ ባዕላ-ካብ ባዕላ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ኣረጋጊፃ ብልፅግንኣ እተረጋግፀሉ እዋን ቀረባ ምዃኑ ቅሉዕ ሓቂ ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ ዝበሉ ደክተር አብራሃም፤ ብኡ ልክዕ ድማ ልዑል ስራሕ ክንሰርሕ ይላቦ ክብሉ ፀዊዖም።
ብተወሳኺ ሎሚ፥ ቀዳማይ ምዕራፍ ከይዲ ተፈፃሚነት ዲሞቢላይዜሽን ምጅማሩ፤ ዝተጀመረ ሰላም ኣብ ምፅናዕ ዘሎ እምነትን ተስፋን ክብ ዘብል እዩ ብምበል ዘለዎም ብሩህ ተሰፋ አመላኺቶም።
ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዝታይን ዘተታት ብምስፋሕን ዝተረፉ ጉዳያት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምልኣት ኣብ ምምላስ ክንረባረብን ዝሓሸ ተደማፅነት ክህልወናን ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ እውን አረዲኦም።
ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብተደጋጋሚ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ፣ ስራሕቲ ንምጅማር መደባት ዘቐመጠ ምኹኑ ብምሕባር ፤ ይኹን ዳአምበር ፥ ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዝፍጠሩ ፀገማት ውሽጣዊ ምርድዳእን ሕልኽላኻትን፣ ብዝተወሰነሉ እዋን ከይኸውን ዕንቅፋት እናኾኖ ይርከብ ክብሉ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን፥ ነዚ ፀገም ብግቡእ ተረዲእና፣ ውሽጣዊ ፀገማትና በዲህና ቅድም-ቀዳድም ኣጀንዳ ህዝብ ክኸውን ከምዝግባእ ክገልፅ ይፎቱ ክብሉ አስሚሮምሉ።