ዝተጀመረ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንዘለና ስግኣት ሓደ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ዝዓለመ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ





 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/15/ 2017 /ኢዜአ/ወግዓዊ ምጅማር ስነ ስርዓት ፕሮግራም ዲሞቢላዜሽንን ምትካል እግሪን ነበር ተዋጋእቲ ትግራይ  ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞትዎስ (/) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል፣ ኣመራርሓ ኣካላት ፀጥታን መንግስትን እቲ ክልል ብምርካብ ከይዲ እቲ ኣፈፃፅማ ተዓዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ሐዚ ዝተጀመረ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንዘለና ስግኣት ሓደ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ዝዓለመ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ማሕበረሰብ ዓለም ዕዙዝ ግደኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእ ንክትግበርን ህፁፅን ተግባራዊ ስራሕቲ ክፍፀሙ ከመዘለዎምን ንተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን አመልኪቶም

ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅንበሩ እቶም ነበር ተዋጋእቲ ብዝተማለአ መልክዑ እግሪ ንምትካል ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝገብርዎ ዘለው እወንታዊ ፃዕርታት ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ሓገዞምን ክትትሎምን ቀፃሊን ዝተማለአን ክኸውን እውን ፀዊዖም።

እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ቀፃሊ ፃዕርን ክትትልን ብምግባር እቶም ነበር ተዋጋእቲ ዝተመቻቸወ ህይወት ንክህልዎም ክስራሕ ምዃኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም