ንዝመፅእ ወለዶ ሰላም እምበር ኲናትን ህውከትን ንከይነውርስ ሓቢርና ንስራሕ-ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /15/2017 (ኤፍ )ንዝመፅእ ወለዶ ሰላም እምበር ኲናትን ህውከትን ንከይነውርስ ሓቢርና ንስራሕ ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (/) ገሊፆም።

እቶም ሚንስትር ኣብ ድጅታል ምዝገባን ዳግመ ፅንበራን ተመለስቲ ነበር ተዋጋእቲ ትግራይ ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ትግበራ ዲሞቢላዜሽን ንሰላም በሪ ዝኸፍት እዩ ብምባል፥ ኩላትና ድማ እቲ ውዕል ስምምዕነት ሰላም ክትግበር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ / ስቴቬን ዳሪክ ብግደኦም፥ ምስ ዲሞቢላዜሽን ዛሚዱ ምምላስ ተመዛበልቲ ክስራሐሉ እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንሙሉእ ሰላም ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ድማ እቲ ኸይዲ አመላኺቱ

ተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓ ሶፌ ፍሮምከ ኣምንስበርገር፥ ንሕና ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ሓገዝና ክነጠናኽር ኢና ኢለን።

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኲናት ዝነበሩ ነበር ተዋጋእቲ ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሲቪላዊ ሂወቶም ንክምለሱን ናብርኦም ንከማሓይሹን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቢረን።

ማሕበረሰብ ዓለም ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ሓጋዛይ ክኸውን ድማ ፀዊዖም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም