ኮፕ 29 ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን መሸጣ ካርቦን ተግባራዊ ኣብ ምግባር ተስፋ ዘለዎም ስምምዓት ዝተረኸበሉ ኮይኑ ተዛዚሙ-ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን - ኢዜአ ትግርኛ
ኮፕ 29 ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን መሸጣ ካርቦን ተግባራዊ ኣብ ምግባር ተስፋ ዘለዎም ስምምዓት ዝተረኸበሉ ኮይኑ ተዛዚሙ-ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /16/2017 (ኢዜኣ) መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 29) ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን መሸጣ ካርቦን ተግባራዊ ኣብ ምግባር ተስፋ ዘለዎም ስምምዓት ብምፍርራም ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።
እቲ ካብ 2 ሕዳር 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ትማሊ ተዛዚሙ።
ኣብቲ ጉባኤ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ተሳቲፉ እዩ።
ብመሰረት ስምምዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ፓሪስ ዓንቀፅ 6.2 ከምኡ እውን 6.4 መሸጣ ካርቦን ተግባራዊ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እዩ።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ እዚ ስምምዕ ቀዲማ ምትሕብባር ዘላቒ ሓምለዋይ ልምዓት ምጥያሽን ዕድላት መርከቢ ኣማራፂ ኣታውን ከምዘርኣየት እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።
እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ መርኣያ ኣብ ዝኾነትሉ ዘፈር ሓምለዋይ ልምዓት ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንክጠናኸር በሪ ከምዝኸፍት እውን ሓቢሩ።
ነዚ እውን ኢትዮጵያን ኣፍሪካውያንን ዝጀመርዎ ፃዕርታት ብምጥንኻር ዝተረፉ ዕዮ ገዛታት ከሳልጡ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዝውዕል ስምምዕ ቀረብ ፋይናንስ 300 ቢልዮን ዶላር ኣብቲ ጉባኤ ፀዲቑ።
ኣብቲ ጉባኤ ከባቢ 200 ሃገራት ተሳቲፈን።
መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት 2025 ኣብ ብራዚል ከተማ ቤሌም ክካየድ እዩ።