ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ምፍታት ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋማ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ - ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ምፍታት ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋማ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ - ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/16/ 2017 /ኢዜአ/ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ምፍታት ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋማ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ኣፍሪካ÷ "ዝበልፀገን ሰላማውን ኣፍሪካ ንህነፅ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ፀገም ብኣፍሪካ ምፍታሕ ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ኣለዋ።
ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ምቹው ኩነታት እናፈጠረት ምዃና ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ካብቲ ስምምዕነት ሰላም ሓሊፉ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምግባር ኣብቲ ዞባ ንግዲን ኢንቨስትመንት ንኽሰፍሕ ሃናፂ ግደ ከምዝተዋፀአት ኣብሪሆም።
ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ነበር ተዋጋእቲ ተዋጋእቲ ዕጥቂ ብምፍታሕን ናብ ማሕበረሰብ ብምፅምባርን ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ዘለዋ ቆራፅነት መርአያ ኢያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ናይ ስግግር ፍትሒ፣ ብሄራዊ ዘተን ብሄራዊ ተሃድሶን ንሰላም ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡