እናተጋደደ ዝመፀ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማሊያ - ኢዜአ ትግርኛ
እናተጋደደ ዝመፀ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማሊያ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 19/2017 (ኢዜኣ) ትማሊ ኣብ ፓርላማ ሶማሊያ ረብሻ ኣጋጢሙ።
ኣካይዳ መንግስቲ ሶማሊያ ዝተቓወሙ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ቁጠዐኦም ኣብ ውሽጢ ፓርላማ እንትገልፁ ተራእዩ እዩ።
ፓርላማ ሶማሊያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ መንግስቲ እታ ሃገር ሰራዊት ሶማሊያ ዕጡቕ ሓይሊ ኣልሸባብ ካብ ምውጋእ ኣብ ዘርኣዊ ምክፍፋል ንክፅመድ ብምግባር ዝሓዞም ቦታታት እውን ንከየመሓዳድር ገይሩ እዩ ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ግዕዝይና ሱር እናሰደደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ሰራዊት ንመሳርሒ ፖለቲካ እናተጠቐመሉ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘርኣዊ ክፍፍል ንክፍጠር እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ሶማሊያ ካብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ወፃኢ መሰላት ክልላዊ ምምሕዳራት መንግስቲ እታ ሃገር
እናተዳፍአ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሶማሊያውያን ንምክፍፋል ዝገብሮ ስራሕ ጠጠው ንከብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ እታ ሃገር እዞም ሓደገኛ መንገድታት ጠጠው እንተዘይኣቢልዎም ሶማሊያ ሓደጋ ምፍራስ ከምዘጋጥማ እቶም ኣባላት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣተሓሳሲቦም።