ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠማ ዕስለ ኣዕዋፍ ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕ ሄክታር ዘራእቲ ምሸላ ጉድኣት ከምዘብፅሓ ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/19/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ሓደጋ የብፅሓ ዘለዋ ዕስለ ኣዕዋፍ ኣብ ሓረስታይ ዝለዓለ ስግኣት ፈጣረን ከምዘለዋ ተገሊፁ።

መበገሲአን ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ኮምቦልቻን ሽዋ ሮቢትን ከም ዝኾና ዝንገረለን ብልምዲ ዑፍ ዋጃ እናተብሃላ ዝፅውዓ ዕስለ ኣዕዋፍ፥ ኣብቲ ወረዳ ጣብያ ባግኤ ደልዎ ፃዕዳ ሜዳ ኣብ ዝተብሃለ ኸባቢ ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝነበረ ዝራእቲ መሸላ በሊዐን ሙሊኡ ክዓንው ከምዝገበርኦ ተገሊፁ።

እተን ዕስለ ኣዕዋፍ በቲ ሐዚ ዘብፅሕኦ ዘለዋ ሓደጋ እንተቐፂለን ከብፅሕኦ ዝኽእል ሓደጋ ዝኸፈአ እዩ ክኸውን ዝበሉ ሓረስቶት እቲ ኸባቢ፥ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ህፁፅ መፍትሒ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እተን ባልዓት ኣብቲ ኸባቢ ብምህላወን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ዝባፅሑ ዝራእቲ ከብፅሕኦ ዝኽእል እዋናዊ ዕንወት እውን ከምዝህሊ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ልምዓት መስኖ ንዝካየድ ምንቅስቓስ ከቢድ ስግኣትን ዕንቅፋትን ከም ዝኾና እቶም ሓረስቶት ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም