ኣብ ክልል ትግራይ  ከተማ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዕዳጋ ዝኣተዋ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ጠለበን እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/21/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዕዳጋ ዝኣተዋ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ብተጠቀምቲ ጠለበን እናወሰኸ ምምፅኡ ኣቕረብቲ ተሸከርከርቲን ተጠቀምቲን እታ ከተማ ገሊፆም።

ዓቕሚ ምክልኻል ብኽለት አየርን ድምፂን እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ዕዳጋ ተመረፅቲ ንኽኾና ምኽንያት ከምዝኾነ እውን እቶም ኣቕረብቲ ኣመልኪቶም።

በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ለውጢ ከባብያዊ አየርን  ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብግድኡ÷ እተን ተሽከርከርቲ ዝጥቀመኦ ቴክኖሎጂ ብኽለት ድምፂን ኣየርን ዝንክዩ ብምዃኖም ብመንግስቲ ዝተባባዕ ከምዝኾና ምግላፁ ኢዜአ ፀብፂቡ።

ኣብቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ክትትልን ትግበራን ኣይተ ሕሉፍ ሓጎስ ከምዝገለፁዎ፤ መንግስቲ  ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝፃወር ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናወገነ ይርከብ።

ሰብ ሃፍቲ ካብ ብኸለት ነፃ ዝኾና ተሽከርከርቲ ናብ ዕዳጋ ኣብ ምቕራብ እናገበሩዎ ዝርከቡ ምንቅስቓስ ከም ክልል ዝድገፍን ክተባባዕ ዝግበኦን ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም