ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ናይ ኣርባ ምንጭ ፃንሒቶም ብሄራዎ ፓርክ ነጭ ሳር ጎብንዮም






 

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ናይ ኣርባ ምንጭ ፃንሒቶም ብሄራዎ ፓርክ ነጭ ሳር ጎብንዮም

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ብሄራዎ ፓርክ ነጭ ሳር ዘሎ 40 ፍልፍላት ዝርከብሉ ጫካ ኣርባ ምንጭ ተዓዚቦም። እቲ ጫካ እውን ብዝተፈላለዩ ዓሌታት ኣእዋም ዝፍለጥ ጫካ እዩ። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ብሄራዎ ፓርክ ነጭ ሳር፤ ምድሪ ሳዕሪ ሳቫና፣ደንን ሃይቅታት ኣባያን ጫሞን ኢሉ እውን ካልኦት ሰሓብቲ መባፅሕታት ዝርከብዎ እንትኸውን ብዝተፈላለዩ ሰሓብቲ መልክኣ ምድርታት ዝፍለጥ መስሕብ ተፈጥሮ እውን እዩ።

514 ስኬር ኪሎሜትራት ዝሰፍሕ ፓርክ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንዝኾኑ ኣድጊ በረኻ፣ዓጋዘን፣ሓርገፅ ዝመስሉ እንሰሳት በረኻ ኢሉ እውን ልዕሊ 270 ዓይነት ዓሌታት ኣዕዋፍ ዝርከብሉ ስለዝኾነ ንፈተውቲ ዑደት ተፈጥሮ ዘሕጉስ ፍሉይ ስፍራ እዩ። ብሄራዊ ፓርክ ነጭ ሳር ከም ካልኦት ብሄራዊ ፓርክታት ስነ ምህዳር ተፈጥሮ ኣብ ምሕላውን ቱሪዝም ኣብ ምልላይን ልዑል እጃም ኣለዎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም