አብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተልእኾ ምኸባር ሰላም ደቡብ ሱዳን ካምፕ ታንቡራ ካምፕ ዓድዋ ብዝብል ተሰይሙ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተልእኾ ምኸባር ሰላም ደቡብ ሱዳን ካምፕ ታንቡራ ካምፕ ዓድዋ ብዝብል ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/5/ 2017 ኢዜአ/ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ደቡብ ሱዳን መበል 19 ሞተራይዝድ ሻለቃ ናይ ግዳጅ ዞባ ዝኾነ ካምፕ ታንቡራ ካምፕ ዓድዋ ብዝብል ስያመ ንክፅዋዕ ተወሲኑ።
ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንሰላምን ምርግጋዕን ታንቡር ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ እቲ ካምፕ ዓድዋ ብዝብል ስያመ ንክፅዋዕ ምውሳኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ግቡኡ ብዝለዓለ ብቕዓት ዝዋፃእን ዕዉት ምዃኑን ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተዋፈረሉ ኣፀጋሚ ዞባ ዳግማዊ ዓወት ዓድዋ ኣብ ምምዝጋብ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።
ዓድዋ መርኣያ ሓድነትን ፅንዓትን ኢትዮጵያዊያን ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።