አብ ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሕንጣሎ "ደኒ ተዘይሃልዩ ሰብ ክነብር ኣይኽእልን" ብዝብል ህዝባዊ ዋዕላ ደኒ ኣካይዱ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሕንጣሎ "ደኒ ተዘይሃልዩ ሰብ ክነብር ኣይኽእልን" ብዝብል ህዝባዊ ዋዕላ ደኒ ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/8/ 2017 /ኢዜአ/አብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሕንጣሎ ሕብረተሰብ ኣብ ደኒ ዘለዎ ኣራኣእያ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምምፃእ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ወረዳ ኣይተ ብርሃኑ ኪሮስ ሓቢሮም።
ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሕንጣሎ "ደኒ ተዘይሃልዩ ሰብ ክነብር ኣይኽእልን" ብዝብል ሓሳብ ህዝባዊ ዋዕላ ደኒ ኣካይዱ።
ወረዳ 31 ሄክታር ብናይ መንግስቲ ደኒ ዝተኸለለ እንትኸወን፥ ሕብረተሰብ ኣብ ደኒ ዘለዎ ኣራኣእያ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምምፃእ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ወረዳ ሕንጣሎ ኣይተ ብርሃኑ ኪሮስ ሓቢሮም።
ኣብ 2017 ዓ.ም ሽፋን ደኒ ናብ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ንምምላስ ምስ ክኢላታትን ኣመራርሓን ጣብያታት ኢሉ ’ውን ህዝቢ ብምዃን ክሰርሓሉ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን፣ ተፈጥራኣዊ ደኒ ብምክልኻልን ብምኽላልን ናብ ዘሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዝዓበየ ለውጢ ምርኣይ ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣመራርሓ ዞባ፣ ወረዳ፣ ክኢላታት ሕርሻ ፣ ኣካላት ፀጥታ ወረዳን ጣብያን ብምውዳድ ኣብ ደኒ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ንክህልዎም ከምዝስራሕ ምግላፆም ኣብ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።