ቤት ምኽሪ ንግዲ እስያ-ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊ ገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ንግዲ እስያ-ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/11/ 2017 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ንግዲ እስያ-ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊ ገሊፁ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪ ዘቲዮም።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ መንጎ ሃገራት ኤሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ ፈጠራን ዘላቒ መፈትሒታት ቴክኖሎጂን ስትራቴጂታት ምዕባለ እተን ሃገራት ንምግባር ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣብሪሆም።
ንስታርትኣፓት፣ ሽግግር ቴክኖሎጂን ምርምርን ምስ ዓለም ለኸ ኣካላትን ተዋሳእቲ ውልቀ ዓውዲን ብምትሕብባር ንጠንካራ ልምዓት ስነ ምህዳር ፈጠራ ቀዳምነት ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣፍሪካዊያን ብዘተሓባበረ መገዲ ስራሕቲ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንምስራሕ ዝግበሩ ምትሕብባራት ምድጋፍ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ኣቦ መንበረ እቲ ቤት ምኽሪ ጂዲ ሲንግ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን ለውጢ ተመዝግብ ከምዘላ ተዛሪቦም።
ነዚ ዕድል ብምጥቃም ብሓባር ምስራሕ ከምዝደሊዩ ሓቢሮም።