በጀት ዩኒቨርሲቲታት ብዘመዝገበኦ ውፅኢት መጠን ከምዝምደብ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
በጀት ዩኒቨርሲቲታት ብዘመዝገበኦ ውፅኢት መጠን ከምዝምደብ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/16/ 2017 /ኢዜአ/ንዩኒቨርሲቲታት ዝምደብ በጀት ብልክዕ መጠን ዘመዝገበኦ ውፅኢት ከምዝኸውን ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምሕያሽ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስቴር ትምህርቲን ኣከብቲ ቦርድ ዩኒቨርሲቲታት ዩኒቨርሲቲታት መንግስቲን ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲን ተፈራሪሞምዎ፡፡
እቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ኣብቲ እዋን፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ መሰረቱ ንምልዋጥ ፅሬት ትምህርቲ ምሕላው ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
“ብፍላይ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይን ልዑል ረብሓ ዘለዎም ፀገም ዝፈትሑ ስራሕቲ ምርምር ንምውፃእ ኣብ ፅሬት ምስራሕ ግቡእ ከምዝኾነ ኣብቲ ስምምዕነት ተኻቲቱ ኢዩ” ኢሎም።
እቲ ስምምዕነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብትኽክለኛ መገዲ ዝሰርሓን ተሓታትነት ዘለወንን ንኽኾና ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲታት ከም ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብሳይንሳዊ ምርምር ዝሕግዛ ክኾና ከምዘለወን ኣገንዚቦም።