ኢንሼቲቭ 5 ሚሊየን ኮደራት ብብርኪ ዓለም ብቑዕ ተወዳዳሪ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢንሼቲቭ 5 ሚሊየን ኮደራት ብብርኪ ዓለም ብቑዕ ተወዳዳሪ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/22/ 2017 /ኢዜአ/ኢንሼቲቭ ሓሙሽተ ሚሊየን ኮደራት ብብርኪ ኢትዮጵያ ዓለም ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ብቑዕ ተወዳዳሪ ሓይሊ ሰብ ንምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ገሊፀን።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ቀዳማይ ኢንሼቲቭ 5 ሚሊየን ኮደራት ኢትዮጵያውያን ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ እተን ሚኒስትር÷ መንግስቲ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንምግባር ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ንምዕዋት ኣብቲ ዓውዲ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ካብ መንጎ ዝተተግበሩ መርሃ ግብሪታት ኢንሼቲቭ ሓሙሽተ ሚሊየን ኮደራት ሓደ ከምዝኾነ ፀሪሐን።
“እቲ ኢንሼቲቭ ንኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪት ዝገብር ሓይሊ ሰብ ምፍራሕ ዘኽእል ኢዩ” ምባለን ኢዜአ ፀብፂቡ።