እቲ ዩኒቨርስቲ ሃገርና ኣብ ኣድለይቲ ቴክኖሎጅታት ዓብዪ ዓቕሚ ንኽትፈጥር እናሰርሐ ይርከብ- ዶክተር በለጠ ሞላ


 

አዲስ አበባ/ታሕሳስ/23/2017/ኢዜአ/ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶክተር በለጠ ሞላን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ንኹሉ ዝሓቖፈ ኣፈፃፅማ ልእኽቶ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ዶክተር በለጠ ሞላ ከምዝተዛረብዎ፤ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ቐፃሊ ኣድለይቲ ኣብ ዝኾኑ ቴክኖሎጅታት ዓብዪ ዓቕሚ ንኽፍጥር ኣብ ስራሕቲ ትምህርትን ምርምርን እናበርከቶ ዝርከብ ግደ ዘይትካእ ' ኢሎም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ሃገርና ክትሓቶ ትኽእል ዓቕሚ ድልውነት ኹሉ እዋን ምስ ህልዊ ዞባዊ ኹነታት ኣናቢቡ ብፅርየትን ትግሃትን እናሰርሖ ዝርከብ ዘፈር ብዙሕ ወታደራዊ ስራሕቲ ምርምር ደረጃ ልዕልነት ምክልኻል ብቕልጡፍን ብዓወትን ከረጋግፅ ዝኽእል ምዃኑ ከምዝተገንዘቡ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም