295 ዝኾኑ ሓደሽቲ ምስፍሕፋሓት ቴሌኮም ኣብ ገፀር ቀበሌታት ተበፃሒ ተገይሮም



 

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/23/ 2017 /ኢዜአ/ኣማራፂታት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት 295 ዝኾኑ ሓደሽቲ ምስፍሕፋሓት ቴሌኮም ኣብ ገፀር ቀበሌታት ተበፃሒ ገይርና ክብላ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ኢትዮ ቴሌኮም ዝገምገመ እንትኸውን÷ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂበን፡፡

ኣብ መብርሂአን ድማ÷ ኣገልግሎት ቴሌኮም ተበፃሒ ንምግባር ካብ ዝልዩ ነገራት ሓደ ቀረብ ሓይሊ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ገፀር ዝርከቡ ጣቢያታት ቴሌኮም ሶላርን ብክፋል ጀነሬተርን ከምዝጥቀሙ ገሊፀን፡፡

ዋና ሥራ አስፈጻሚዋ እስካሁን 3 ነጥብ 3 ትሪሊየን ብር በቴሌ ብር መተግበሪያ ዝውውር መፈጸሙንም ተናግረዋል፡፡

240 ሺሕ ዝኾኑ ነጋዶ ክፍሊቶም ብቴሌ ብር እናፈፀሙ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡

ኣገልግሎት ዲጂታል ፋይናንስ ብምቕራብ ህይወት ንምቕላል ከምኡ እውን ትራንስፎርሜሽን ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ብትኹት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም