ዘይመንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ወሎዶን ዘለወን ግደ ልዑል ኢዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/26/ 2017 /ኢዜአ/ዘይመንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ወሎዶን ዘለወን ግደ ልዑል ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ውልቀ ጣብያታት ቴሌቪዥን ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ ሓደ አብዝኾነ ኣብ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ዑደት ገይርና ኢሎም።

ኢቢኤስ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ውልቀ ሚዲያ ብዙሓት መሀደስቲን እዋናዊን ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ብምብፃሕ ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ውቁብ ባህሊ፣ ታሪክን ማሕበራዊ ዝምድናን ኣግዚፉ ብምርኣይ ንዓለም ተበፃሒ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም