ብሽይጣት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ዝህነፅ ቤተ መፃሕፍቲ ጋምቤላ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/1/ 2017 /ኢዜአ/ብሽይጣት መፅሓፍ የመደመር ትውልድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ቤተ መፃሕፍቲ ህዝቢ ጋምቤላ ከህነፅ ኢዩ።

ፍሉይ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ብርሃኑ ደጀኔ  ከምዝበልዎ፥ ካብ ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ብዝርከብ ኣታዊ በዓል ከልተ ደብሪ ቤተ መፃሕፍቲ ንምህናፅ ስራሕቲ ዲዛይን ተዛዚሙ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ቃል ከምዝተኣተወን ካብ ውሽጢ እዚ ልዕሊ 9 ነጥቢ 7 ሚሊየን ናብ ዝተዳለወ ዕፁው ኣካውንት ኣታዊ ከምዝተገበረ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ቀረባ ድማ ምስ ኣብያተ ዕዮ፣ ዞባታተን ወረዳታትን ለዕሊ 3 ሚሊየን ከምዝተኣከበ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ጨረታ ብምውፃእ ስራሕቲ ህንፀት ከምዝጅመር ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም