ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምጥርናፉ ዝተጀመሩ ስራሕተ ለውጢ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ኣለዎ-ዳግማዊ ሃይሌ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምጥርናፉ ዝተጀመሩ ስራሕተ ለውጢ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ኣለዎ-ዳግማዊ ሃይሌ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 2/2017 (ኢዜኣ) ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምጥርናፉ ዝተጀመሩ ስራሕተ ለውጢ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ከምዘለዎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ዳግማዊ ሃይሌ ገሊፆም።
ኣብ ቀረባ እዋን 8 ተወሰኽቲ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ከምዝተጠርነፉ ዝዝከር እንትኸውን፤ ፖስታ ኢትዮጵያ ድማ ካብቶም ኣብዚ ዝተጠርነፉ ትካላት እቲ ሓደ እዩ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፖስታ ኢትዮጵያ ዳግማዊ ሀይሊዬ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ትካላት ልምዓት ኣብ ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ኮይኖም ንክሰርሑን ንሃገር ዝሓሸ ረብሓ ንከበርክቱን ዝሕግዝ እዩ።
እቲ ትካል ቅድም ኢሉ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝጀመረ ብምዝኽኻር፤ ሕዚ ዝረኸቦ ዕድል ድማ እቲ ዝጀመሮ ምዕራፍ ለውጢ ንምጥንኻር ከምዝሕግዞ ተዛሪቦም።
ፖስታ ኢትዮጵያ ከም ትካል ካብ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣገልግሎቱ ብስፍሓት ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝፀንሐ እውን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ እዚ ዝረኸቦ ዕድል ተጠቒሙን ኣሰራርሕኡ ምስ ስትራቴጂ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ብምርኻብን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምስፍሕፋሕ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ኣገልግሎቱ ንምዝርጋሕ ከምዝሕግዞ ሓቢሮም።
ፖስታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ውፅኢታዊ ከምዘይነበረ ብምሕባር፤ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ግና ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀጻሊ እውን ሓደሽቲ ተሞኩሮታትን ኣሰራርሓታትን ብምውዳድ ንሃገር ዝሓሸ ዕቤት ንምምዝጋብ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ገሊጾም።