ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ብዝተፈለለዩ ሞያታት ዘሰልጥኖም ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ብዝተፈለለዩ ሞያታት ዘሰልጥኖም ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/5/ 2017 /ኢዜአ/ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ብዝተፈለለዩ ሞያታት ከሰልጥኖም ዝፀነሐ ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
እቲ ኮሌጅ 285 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተሓቢሩ።
ትማሊ ዝተመረቑ ተምሃሮ÷ ኣብ 2012 ዓ.ም ትምህርቲ ጀሚሮም ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ኣቋሪፆም ዝነበሩ ኢዮም፡፡
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምምፅኡ ስዒቡ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ዳግም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተመለሱ ከምዝኾኑ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ኣፍሊጡ።