አገልጋሎት ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ንፈለማ እዋን መኽሰብ ከምዘመዝገበ ተገሊፁ



 

አዲስ አበባ/ጥሪ/5/2017/ኢዜአ/ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2024 ናብ መኸሰባይነት ምእታዉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣኽስዮን ማሕበር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ታከለ ኡማ(/) ገሊፆም።

ሕዚ እናርአዮ ዝርከብ መኸሰባይነት እቲ ትካል ናብ ስራሕ ካብ ዝተኣተወሉ ግዜ ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ እዚ ዓወት ነቲ ኩባንያ ኸሳቢ ንምግባር ዝተትሓዘ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ከምዝሳኻዕ ዘመላኽት ' ኢሎም።

እዚ ወሳኒ ጅማሮ እንትብሰር ንመስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ፅቡቕ ግዜ ገና ከምዝመፅእ ምግንዛብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣልዒሎም፤ ንጥንኩር መኸሰባይነት መሰረት ስለዝተቐመጠ ቐፃሊ ጉዕዞኡ ናብ ልዑል ዓወት ምዃኑ ታከለ ኡማ(/) ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘስፈሩዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም