አብ ክልል ትግራይ አብ ከተማ አኸሱም ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ይሳለጡ አለዉ




 

አክሱም/ጥር 6/2017 (ኢዜአ)፦አብ ክልል ትግራይ አብ ከተማ አኸሱም ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ይሳለጡ ከምዘለዉ መካየዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ አኸሱም አይተ ሐዱሽ ገብረ መድህን ገሊፆም።

መካየዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ አኸሱም አይተ ሐዱሽ ገብረ መድህን ንኢዜአ ከምዝገለፅዎ አብ በጀት ዓመት ንተለዋጢ መንገዲ መናሃርያ አኸሱም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ይካየዱ አለዉ።

ህንፀት እቶም መሰረተ ልምዓት ንነበርቲ ከተማ አኸሱም ዝሓሸ አገልግሎት ዝህቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ካብቶም ስርሓቶም ዝሰለጡ ዘለዉ ህንፀታት ናይ ሓደ ነጥቢ ክልተ ኪሎ ሜትሮ መንገዲ አስፓልት መብርሃቲ ወሰን ፅርጊያን መንፀፍ እምኒ ሓሙሽተ ኪሎሜትሮን ከምዝርከብዎም ተዛሪቦም።

ካብ እዚ ብተወሳኺ ህንፀት አብ እዋን ክረምቲ ንሓደጋ ውሕጅ ቅልዓት አብ ዝኾኑ ከባቢታት 1 ነጥቢ 6 ኪሎሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መትረብ ውሕጅ ይሳለጥ ምህላዉ እቶም መካየዲ ስራሕ አብሪሆም።

ስርሓቲ መሰረተ ልምዓት ን 1 ሽሕን 400 ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ አሎ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም