ዕዳ ኢትዮጵያን ምስ ጥሙር ሃገራዊ ሃፍቲ ዘለዎ ብፅሒት ክትሕት ምግባር ከም ዝተኸአለ ተሓቢሩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/6/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ለውጢ ዓመታት ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዕዳ ኢትዮጵያ ምስ ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክወርድ ምግባር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (/) ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ውፅኢታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብ ቀፃሊ ዝውገኑ ተግባራትን ኣድሂበን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፤ መንግስቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ስርዓትን መሰረታዊ ፀገማትን ንምስትኽኻል ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ፖሊሲ ከምዝተኸተለ ገሊፀን።

ፈለማ ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብዝተተግበረ ፖሊሲ ኢኮኖሚ ኣብ ምዝማንን ንውድድር ክፍቲ ምግባርን ሰፊሕ ሪፎርም ከምዝተገበረ ኣልዒለን።

ትካላት ልምዓት መንግስቲ ውፅኢታዊን ኸሰብትን ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ንዓመታት ንዘፈር ውልቀ ተዓፂዮም ዝነበሩ ከም ኢትዮ ቴሌኮም ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ክፍቲ ከምዝተገበሩ ኣልዒለን።

እቶት መንግስቲ ምድንፋዕ፣ ምሕደራ ወፃኢ ምስትኽኻል፣ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ትግበራ ፕሮጀክትን ኣፈፃፅማን ምምሐያሽ፣ ድጎማ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣብ ምስግጋር ዘዕግቡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣብሪሀን።

ኣብ ለውጢ ዓመታት ዝኾነ ይኹን ናይ ንግዲ ልቓሕ ብዘይምፍፃም፣ ምስ ኣለቃሕቲ ምሽግሻግ ልቓሕ ብምግባርን፣ ልቓዕ ብልዑል ብርኪ ብምኽፋልን ፅዕንቶ ዕዳ ምቅላል ከምዝተኽኣለ ምግላፀን ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዋ ፅዕንቶ ዕዳ ምስ ሃገራዊ ጥሙር ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም