ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ተፋሰስን ኣዋዲድካ ብምስራሕ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ መርኣያ ዝኾነ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ





 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 6/2017 (ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ተፋሰስን ኣዋዲድካ ብምስራሕ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ መርኣያ ዝኾነ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሃገራዊ ወፍሪ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ 2017 / ኣብ ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ብዓይነቱ ፈላማይን ኣካል ምጅማር እቲ ወፍርን ዝኾነ ሲምፖዜምን ዓውደ ርእይን ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስሃፍቲ ሓመድና ንብልፅግናናኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሙዜም ሳይንስ ተኸፊቱ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መደርኦም፤ ዓውዲ ግብርና ካብቲ ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት 32 ሚኢታዊ ብምሽፋን ንዕቤት ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ብምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ካብ ዝተጎድኣ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትፅራሕ ኮይና ከምዝፀንሐት ብምዝኽኻር፤ መንግስቲ እዚ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ልምዓት ተፋሰስ ብምውዳድ እቲ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘሳተፈ ስራሕ ልምዓት ከምዘሳለጠ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

ንዘላቒ ልምዓትን ኣተሓሕዛን ሃፍቲ ተፈጥሮ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ማዕቐፋት ፖሊስን ሕግን ተዳሊዎም ተግባራዊ እናኾኑ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝቕፅሉ 15 ዓመታት ብሚልዮን ዝቑፀር ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምልማዕ ማዕቐፍ ስትራቴጂክ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ተዳሊዉ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ሓቢሮም።

እቲ ውፅኢት ንምጥንኻር ድማ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘበን ሃገራዊ ወፍሪ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ብሰፊሑ ብምስታፍ ዕውት ምግባር ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ዋላ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ሃገር እንተኾነት ግቡእ ብዘይኾነ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ንሓደጋ ተፈጥሮን ምብዳም መሬትን ተቓሊዓ እያ ኢሎም።

መንግስቲ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ተፋሰስ መሰረት ዝገበረ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዘጀመረ ሓቢሮም።

በዚ ድማ በቢዓመቱ 14 ሚልዮን ህዝቢ ብምስታፍ ብዝተሰርሐ ልምዓት ተፋሰስ ባዲሙ ካብ ዝነበረ መሬት እቲ 33 ነጥቢ 6 ሚልዮን ሄክታር ክለምዕ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም