ነዳዲ ሓዊሱ ስትራተጂክ አብ ዝተብሃሉ ሸቐጣት ዘተአማምን ቀረብ ንክቐፅል መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገይሩ እዩ-ሚኒስትር አህመድ ሽዴ

 

አዲስ አበባ/ ጥር /7/2017(ኢዜአ) ነዳዲ ሓዊሱ ስትራተጂክ አብ ዝባሃሉ ሸቐጣት ዘተአማምን ቀረብ ንክቐፅል መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገይሩ እዩ ክብሉ ሚኒስትር አህመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 267 ቢሊዮን ብር ንነዳዲ ዝኸውን ድጎማ ምግባሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ሚኒስትር አብ ናይ ሎሚ ዘበን በጀት ዓመት ጥራይ ንነዳዲ ድጎማ ተወሳኺ 100 ቢሊዮን ብር በጀት ምፅዳቑ አዘኻኺሮም

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 267 ቢሊዮን ብር ንነዳዲ ድጎማ ከምዝገበረን 2017 . ጥራሕ ድማ ንድጎማ ነዳዲ ተወሳኺ 100 ቢሊዮን ብር በጀት ፀዲቑ።

ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ጀሚሩ እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተጠናኺሩ ንቑጠባዊ ዕብየት ዓብይ ኣበርክቶ ንኸበርክት ሰፊሕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ነዳዲ ሓዊሱ ስትራቴጂክ ዝበሃሉ ሸቐጣት ዘተኣማምን ቐረብ ንክህልዎም መንግስቲ ልዑል ድጎማ እናገበረ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ንድኹዒ ሓመድ፣ ነዳዲ፣ ወሰኽ መሃያ፣ ንመድሓኒት፣ መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ንልምዓታዊ ሴፍትኔት ከተማን ገጠርን ከምኡ 'ውን ንኻልኦት በቢዓመቱ ልዕሊ 400 ቢሊዮን ብር ድጎማ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

መንግስቲ አብ እታ ሃገር ዘተአማምን ቀረብ ነዳዲ ንክህሉ ዛጊድ ዘካየዶ ፃዕሪ አጠናኺሩ ከምዝቐፅል ሚኒስትር አህመድ ሽዴ አረጋጊፆም

ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝአቱ ከምኡ እውን ብልዑል ድጎማ ንህዝቢ ዝቐረብ ምህርቲ ነዳዲ ብአግባቡ አብ ርብሓ ንክውዕል ምግባር አገዳሲ ምኹኑ አታሓሳሲቦም

ብልዑል ድጎማ መንግስቲ ዝቐርብ ምህርቲ ነዳዲ ብመልክዕ ኮንትሮባንድ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንክይወፅእ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምኹኑ ፀሪሖም ነዚ ድማ ኩሉ ብፅሒቱ ሒዙ ክዋሳእ ይግበእ ኢሎም

ስርዓት ዕዳጋ ነዳዲ  ናይ ምዝማን ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፅል እቶም ሚኒስትር አመልኪቶም

ብዋጋ ዓለም  ዝሽመት ነዳዲ ትሕቲ ዋጋ ዓለም ኸምኡ 'ውን ካብ  ጎረባብቲ ሃገራት ዋጋ ብዝታሓተን ብዝለዓለ ድጎማን እናቐረበ ምዃኑ ንኢዜአ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፤ ነቲ ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝኣትውን ብልዑል ድጎማ ናብ ህዝቢ ዝቐርብን ነዳዲ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም