ኣብ ኢትዮጵያ  ንለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ኩለመዳይ ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ - ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/7/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር  ዘይብዳህ ኩለመዳይ ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (/) ገሊፆም፡፡

ስርዓተ-ምግቢ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ አየር  ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ምላሽ ኣብ ምሃብ ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።

ግርማ ኣመንቴ (/) ኣብቲ መድረኽ÷ ስግኣት ዓለም እናኾነ ዝመፅአ  ለውጢ  ከባብያዊ አየር ብፍላይ ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ዜጋታት ዝኸፍአ ፅዕንቶ እንተሕድር ኢትዮጵያ ብምውዳድ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

በዚ ድማ መንግስቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ዘፈር ውልቀ ሓዊሱ ብምስታፍ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ኣመልኪቶም፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን÷ ኣብ ስርዓተ ምግቢ ትኹረት ዝገበረ ስምምዕነት ቃል ኪዳን ሰቆጣ ብዕቱብ እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ መድረኽ ኣብ ዙሪያ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ አየር   ዝውገኑ ተግባራት፣ ስግግር ስርዓተ-ምግቢን ኣመጋግባን ንምውዳድ ዝግበሩ ሃገራዊ ፃሪታት ኣብ ምጥዕዓም ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም