ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም 313 ሽሕን 260 ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ሓመድ ኣብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ



 

አዲስ አበባ/ጥሪ/7/2017/ኢዜአ/ ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 . 313 ሽሕን 260 ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ሓመድ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብፅሑ ተገሊፁ።

ኣብ ወደብ ጅቡቲ ካብ ዝበፅሐ ድኹዒ እቲ 206 ሽሕን 267 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ድኹዒ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ እንትኸውን፤ እቲ 106 ሽሕን 992 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ድማ ኣብ ወደብ ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

ነቲ ኣብ ወደብ ዝበፅሐ ድኹዒ ሓመድ ተሽከርከርትን ባቡርን ብምጥቃም ብቕልጡፍ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው እናተሰርሐ ምዃኑ 'ውን ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት 'ውን 27 ሽሕን 930 ሜትሪክ ቶን ብባቡር ከምኡ 'ውን 178 ሽሕን 314 ሜትሪክ ቶን ብኸበድቲ ተሽከርከርቲ ልዕሊ 150 ናብ ዝኾኑ መባፅሕታት ውሽጢ ሃገር ከምዝተጉዓዓዘ ተጠቒሱ።

ሕድሕደን 70 ሽሕን 56 ሽሕን ሜትሪክ ቶን ዳፕ ድኹዒ ሓመድ ዝፀዓና ኽልተ ተወሰኽቲ መርከባት ኣብዚ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ጅቡቲ ከምዝበፅሓ 'ውን ካብ ትራንስፖርት ባሕርን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም