ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ዘለወን ክቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ዘለወን ክቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ዘለወን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልዑልሰገድ ታደሰ ምስ ዋና መተሓባበሪ ብራዚል ኣብ ብሪክስ (ሼርፖ) ኣምባሳደር ኤድዋርዶ ሳቦኣ ዘትዮም።
ኣምባሳደር ልዑልሰገድ ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተ፤ ፕሬዚዳንት ብሪክስ 2025 ኣብ ዝኾነት ብራዚል ቀዳምነት ትኹረት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘትኦም ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ዘለወን ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ሓቢሮም።
ብራዚል ኣብ ናይ ብሪክስ ፕሬዚዳንትነት እዋና “ምትሕብባር ኣብ ምምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብምጥንኻር ዝበለፀ ሓቛፍን ዘላቕን ምምሕዳር ምፍጣር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ስርዓት ምምሕዳር ዓለም ምምሕያሽ ንክግበረሉን ምትሕብባር ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንክጠናኸርን ኣጠናኺራ ከምትሰርሕ ኣረዲኦም።
ቀዳሞት ትኹረት ብራዚል ምስ ትልምታትን ሕልምታትን ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ብራዚል ኣብ ናይ ፕሬዚዳንትነት እዋና ንተሳልጦም ስራሕቲ ኣድላይ ደገፍ ከምትገብር ገሊፆም።