ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ኣለዋ - ኢዜአ ትግርኛ
ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ኣለዋ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/8/ 2017 /ኢዜአ/ብዙሓት ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ከምዘለዋ ተገሊፁ።
እቲ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት እንገብረሎም ሰነዳት ወይ ኢንቨስትመንታት ከም በዓል ዋና እነረጋግፀሉ ዕዳጋ ሰነዳት ዕዳ ሰነደ መዋእለ ንዋያት እንትኸውን፥ ኣብ ኣብዝሓ ኣክሲዮን፣ ቦንድ መንግስቲ፣ ሰነድ ግምጃ ቤት መንግስቲ፣ ቦንድ ኩባኒያታትን ካልኦት ቦንድታትን ናብ ማእከላዊ ቦታ መፂኦም ዝተዓዳደግሉ መድረኽ ኢዩ።
ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ዝተኣመነሉ እቲ ስጉምቲ፥ መንግስቲን ውልቀ ዓውዲን ንዝፍፅምዎ ኢንቨስትመንታት ካፒታል ንምእካብ ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ዕላዊ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዕዳጋ ካፒታል ካብ ምጥያሽ ጀሚሩ ኣዋጅ ኣብ ምውፃእን ካልኦት ኩነታት ንምምላአን እንትስራሕ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ ተኸፊቱ ኢዩ።
ዋና ዳይሬክተር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ጥላሁን ካሳሁን(ዶ/ር)፥ እቲ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ብዙሓት ኢንቨስትመንታት ባህጊ ከምዘለወን ምርኣየን ንፋና ዲጂታል ሓቢሮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት ሽዱሽተ ዝኾና ባንክታት ናብቲ ዕዳጋ ንምፅንባር ምድላዋት ከምዝገበራ ገሊፆም።