ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ልዕሊ 32 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ምምላስ ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /8/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ልዕሊ 32 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ምምላስ ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዲፕሎማስን ርክብ ወፃእን ኣመልኪቶም ሰሙናዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኣብ ኣፈጻፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ፣ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ፣ርክብ ኢትዮ-ሶማሊያን ኣብዚ ሰሙን ምስ ልኡኽ ኣዘርባጃን ዝተገበረ ክልቲኣዊ ርክብን ጠመተ ዝገበሩ ጉዳያት ኣብራህሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ከምዝሰርሐት ሓቢሮም።

ስምምዕ ህንፀት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ መንገዲ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ንኬንያ እትልእኾ መጠን ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘሐለዉ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊ ስምምዓት ከምዝተፈፀሙ ብምሕባር፤

ልዕሊ 128 ዑደት ላዕለዎት ኣመራርሓን ዘተታትን ከምዝተሳለጡ እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ እውን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ልዕሊ 32 ሽሕን 918 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተዛሪቦም።

ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ እውን ሓቢሮም።

ስምምዕ ኣንካራ ስዒቡ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ ሞሐሙድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ስሩዕ ርክብ ንምምላስ ዓብይ ዕድል ዝፈጠረ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም