ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ምችው መሰረተ ልምዓት ንምምላእ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ





 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ንኣገልጋልን ተገልጋልን ምችው መሰረተ ልምዓት ንምምላእ ትኹረት ከምዝተውሃበ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፀ ህንፃ መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ንሕብረተሰብ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ቅልጡፍ፣ምችውን ወፃኢ ዝቑጥቡን ክኾኑ ይግባእ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስራሕ ምምላእ መሰረተ ልምዓት እናሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ሎሚ መዓልቲ ንመውሃቢ ኣገልግሎት ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ልደታ ተሃኒፁ ዝተመረቐ ህንፃ እውን መርኣያ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቢሮ ስራሕቲ ዲዛይንን ህንፀትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ወይዘሮ ኣያልነሽ ሐብተማሪያም፤ እቲ ዝተሃነጸ ህንፃ 13 ደብርታት ከምዘለዎ ኣረዲአን።

እቲ ህንፃ ብርክት ዝበሉ ቢሮታት መውሃቢ ኣገልግሎት፣ኣዳራሻት ኣኼባ፣ጂምናዜም ዝሓዘ እንትኸውን ንኣካል ጉዱኣትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣብ ግምት ዘእተወ ህንፃ ከምዝኾነ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም