ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምጥንኻር ካብተን ሃገራት ብዝዘለለ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንክረጋገፅ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምጥንኻር ካብተን ሃገራት ብዝዘለለ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንክረጋገፅ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምጥንኻር ካብተን ሃገራት ብዝዘለለ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንክረጋገፅ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ ሙሀሙድን 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ክልቲኣዊ ዘተ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ኣይተ ፍቃዱ ፀጋ፤ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለወን ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕ እውን ተረባሕነት እተን ሃገራት ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንክረጋገፅ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ስምምዕ ኢትዮጵያ ናይ ምድርዳርን ዲፕሎማስን ዓቕማ ንማሕበረsብ ዓለም ዘርኣየትሉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ስምምዕ፤ ኢትዮጵያ ምስ ኩለን ሃገራት ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ርክባ ንምዕባይ ድሌት ከምዘለዋ ዘርኣየትሉን ዲፕሎማሲያዊ ልዕልና ዝረኸበትሉን ስምምዕ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም።
ተመራማሪ እቲ ኢንስቲትዩት ጥላሁን ተፈራ ( ዶ/ር ) ብግደኦም፤ እተን ሃገራት ካብ ዲፕሎማሲ ብተወሳኺ ዘለወን ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንምዕባይ ምስምዕምዐን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዘኽእል እዩ።
ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪከ ግብረ ራዕዲ ሓዊሱ ዝረኣዩ ስግኣታት ብሓባር ንምክልኻል ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ ዝገበርኦ ስምምዕ፤ እኩይ ልኡኽቶ ሰላም እቲ ዞባ ዘይደልዩ ሓይልታት ዘፈሸለ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እተን ሃገራት 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምሕዳስ ስምምዕ ምግባረን ኣብ ኣንካራ ንዝተገበረ ስምምዕ ክፀንዕ ዝገብር እዩ ኢሎም።