ርዕደ መሬት ኣብ ዝተኸሰተሎም ከባቢታት ብትልሚ ዝተመስረተ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ - ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/8/ 2017 /ኢዜአ/ርዕደ መሬት ኣብ ዝተኸሰተሎም ከባቢታት መሰረ ልምዓት፣ ግዚያዊ መዕቖቢ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሳይንሳዊ ትንተነን ትምበያን ጉጅለታት ብምውዳብ ኣብ ትልሚ ዝተመስረተ ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ቅድመ መጠንቀቕታ ርዕደ መሬት ድልውነትና ብዘለና ዓቕሚ ቴክኖሎጂ፣ ሳይንሳዊ ምርምር፣ ትንተናን ትምበያን ዝውሰን ኢዩ ኢሎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኢንስቲትዩት ጂኦፊዚክስ፣ ስፔስ ሳይንስን ኣስትሮኖሚን ዑደት ከምዝገበሩን ኣብ ርዕደ መሬት ተንከፍ ዝኾኑ ሳይንሳዊ ምርምራት ዝበረታትዑ ስራሕቲ ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም፡፡

"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘካየድናዮ ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ጉዳይ ርዕደ መሬት ብዘቐመጥናዮ አንፈት መሰረት ብምግባር ናብ ዝተጠናኸረ ተግባር ተኣቲዩ ኣሎ" ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡

ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባታት መሰረ ልምዓት፣ ግዚያዊ መዕቖቢ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሳይንሳዊ ትንተናን ትምበያን ጉጅለታት ብምውዳብ ኣብ ትልሚ ዝተመስረተ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም