ኢትዮጵያን ሳዑዲ ኣረቢያን ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ሳዑዲ ኣረቢያን ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሳዑዲ ኣረቢያን ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ዘትየን።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ሳዑዲ ኣረቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ፋሃድ ኦባይዳላህ ኣልሁምኣይዳኒ ኣልሞታይሪ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም።
ክልቲኦም ወገናት፤ ላዕለዎት ሰብ መዚ እተን ሃገራት ልውውጥ ዑደታት ምግባር ኣብ ዝኽእልሉ ጉዳይ ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያን ሳዑዲ ኣረቢያን ኣብ ሓባራዊ ድሌታተን ዘለወን ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝግባእ ትኹረት ሂቦም ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።