ኣብ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/9/ 2027 /ኢዜአ/ሎሚ ዕለት ኣብ ኳታር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ።
ኣትሌት እታለማሁ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 21 ደቒቕን 43 ሰከንድን ብምዝዛዝም እንትትዕወት÷ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት እውነ ክሳብ 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዘዚሞም።
ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ድማ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ባለው ይሁኔ 2ይ እንትወፅ÷ ምትኩ ጣፋ 3ይ ከምኡ እውን ድንቅኣለም ኣየለ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡