መንግስቲ ሰላምን ምርድዳእን ብዘላቐነት ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ስርሓትታት ከሳልጥ ፀኒሑ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ሰላምን ምርድዳእን ብዘላቐነት ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ስርሓትታት ከሳልጥ ፀኒሑ እዩ
አዲስ አበባ/ጥር/ 9/2017(ኢዜአ)፦መንግስቲ ሰላምን ምርድዳእን ብዘላቐነት ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ስርሓትታት ከሳልጥ ምፅንሑ ሚኒስትር አገልግሎት ኮሚኒኬሽን ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) አፍሊጦም ፡፡
አገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ አብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት መድርሂ እናሃበ ምኹኑ ዝፍለጥ ኮይኑ አብ እዚ ሓዚ እዋን እውን መንግስቲ ሰላምን ምርድዳእን ብዘላቐነት ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ስርሓትታት ክውግን ምፅንሑ አመልኺቱ ።
መንግስቲ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ብርክት ዝበሉ ልምዓታዊ ስርሓቲ ከሳልጥ ፀኒሑ እዩ።
አብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብረት ታሓንጊጦም ክንቐሳቐሱ ዝፀንሑ ሓይልታት ናብ ሰላም ንክመፁ ፃውዒት ምቐራቡ አረዲኦም ።
መንግስቲ ኣፈላላያት ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ምፅባብን ዕርቂ ምዕሳልን ቁልፊ ኣማራፂ ሰላም ብምግባር ይሰርሕ ኣሎ
እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ መንግስቲ ሰላም ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዕጥቂ ዘልዐሉ ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ ንኸቕርቡ ኩሎም በሪታት ሰላም ንኹሎም ሓይሊታት ማዕረ ከምዝኸፈተ ኣብሪሆም፡፡
“ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝነበረ ጎንፂ ብስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምዝዛም እቲ ስምምዕነት ብዝተማለአ መገዲ ንምትግባር መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ፤ ኣጠናኺሩ እውን ክቕፅል ኢዩ” ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡
በዚ ድማ ክልላት ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉሙዝን እናተንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ስምምዕነት ሰላም ብምፍፃም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተገበረ መማልኢ መረፃ ኣብ ክልል ቤንሻንጉልል ጉሙዝ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ሓይሊታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወንበር ክረከቡ ከምዝኸኣሉ ኣዘኻኺሮም።
መንግስቲ ዝተፈላለዩ ድሌታትን ፖለቲካዊ ሓሳብን ምስ ዘለዎም ኣካላት ሃናፂ ዘተ ብምግባር ኣብ ምርድዳእ ዝበፅሐሎም ጉዳያት ንምድናፋዕ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም።