ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ምስ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኢራን ዘትዮም

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/9/2017/ኢዜአ/ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ታገሰ ጫፎ ብኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኢራን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ዘለወን ከምዝኾና ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ገሊፆም፡፡

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ምሕዝነት እተን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመልኽት፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም