መንግስቲ ንበዓል ጥምቀትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጡ ዓበይቲ ጉባኤታትን ኣድላይ ምድላው ገይሩ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /9/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ በዓል ጥምቀት ብድሙቕ ንክኽበርን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጡ ዓበይቲ ጉባኤታት ንምትእንጋድን ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/) ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዓበይቲ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ከምኡ እውን ዓበይቲ ጉባኤታት ብድሙቕ ከምዘተኣናገደት ኣዘኻኺሮም።

እቶም በዓላት ብድሙቕ ምኽባሮምን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብዓወት ምስላጦምን ውፅኢት ምፅናዕ ሰላም መንግስቲ ዘርእዩን ዓውዲ ቱሪዝም ዘነቓቕሑን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ቀፃሊ ቀዳምን ሰንበትን እውን በዓል ጥምቀትን ከተራን ኣብ ጎንደርን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ከምዝኽበር ገሊፆም።

በዓል ጥምቀት ካብቶም ካልኦት በዓላት ኣደባባይ ብዝተፈለየ መልክዑ ሰፋሕቲ ከባብታት ዝሽፍንን ብድሙቕ ሕብርን ቀለምን ዝማዕረገን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሕውነትን ብሄራዊ ተረኽን ንምህናፅ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን ብፍሉይ ኩነታት ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት በዓላት፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ኮንፈረንሳት ደሚቖም ከምዝጸንሑ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ለካቲት ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ኮንፈረንሳትን ከምዝሳለጡ እውን ሓቢሮም።

እቶም በዓላትን ኮንፈረንሳትን ብሰላማዊ ኩነታት ንክኽበሩ ትካላት ጸጥታ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ተግባራዊ እናገበሩ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም