ኢትዮ ቴሌኮም ፀገም ተረባሕነት ዲጂታል ኣገልግሎት ንምፍታሕ እናሰርሐ እዩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮ ቴሌኮም ክፍተት ዲጂታል ኣገልግሎት ንምፅባብን ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ንምፍጣርን እናሰርሐ ከምዝርከብ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ትካል ፍሬሕይወት ታምሩ ገሊፀን።

እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ምስ ብምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሰለሞን ኩዋይኖርን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ሪጅን ምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ባንኪ ሊያንድር ባሶሌ(/) ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቀፃሊ ዲጂታል ዕቤት ኣፍሪካ ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጠን።

እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ኣፈሪካ እቲ ዝዓበየ ኦፕሬተር ቴሌኮም ስለዝኾነ ክፍተት ዲጂታል ኣገልግሎት ንምፅባብ፣ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ንምፍጣርን ሓቛፍን ቀጻልነት ዘለዎን ዕቤት ንምምፃእን እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲአን።

ኣፍሪካ ዘለውዋ ፈተናታት ንምሽጋር፣ሓደሽቲ ዕድላትን ዘላቒ ልምዓትን ንምፍጣር ቴክኖሎጅን ዲጂታል መፍትሕታትን ክትጥቀም ከምዘለዋ ወሲኸን ገሊፀን።

ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሰለሞን ኩዋይኖር፤ ቅልጡፍ ዕቤት ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብምብርህራህ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዲጂታል ኢንሼቲቭ እቲ ኩባንያ ንምድጋፍ ዘለዎ ድሉውነት ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም