ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ እናሳለጠት እያ-ሳሙሄል ዶ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ እናሳለጠት ከምትርከብ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣፍሊጡ።

ሓምለዋይ ጉዕዞ ኢትዮጵያ 2030” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙሄል ዶ፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ኢኮኖምን በረከት ተስፋጽዮን ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም።

ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙሄል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ ትርከብ።

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝነኣድ ስራሕ ከምዘሳለጠት ተዛሪቦም።

ኣብ ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር 40 ቢልዮን ፈልሲ ምትካላ ብምንኣድ፤ ስምምዕ ፓሪስ ተግባራዊ ንምግባር ዘርኣየቶ ቆራፅነት እውን ሓቢሮም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ኢኮኖምን በረከት ተስፋጽዮን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ገሊፆም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም