መንግስቲ ድጎማ በጀት ዝገብሮ  አብ ትሑት መነባብሮ ኮይኖም ንዝሓድሩ ዜጋታት ካብ ዝበፅሖም ፅዕንቶ ንምክልኻል እንበር ንውሑዳት ውልቀሰባት ንምጥቃም አይኮነን

 

አዲስ አበባ/ ጥር /9/2017(ኢዜአ)- መንግስቲ ድጎማ በጀት ዝገብሮ  አብ ትሑት መነባብሮ ኮይኖም ንዝሓድሩ ዜጋታት ካብ ዝበፅሖም ፅዕንቶ ንምክልኻል እንበር ንውሑዳት ውልቀሰባት ንምጥቃም አይኮነን ክብሉ ሚኒስትር አገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(/) ገሊፆም

ኢትዮጵያ ናብ ዝተማለአ መማሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዉ ፀሪሆም እዚ ካዓ ዝተረጋገአ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ከባብታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምምሕያሽ  መፍረያይነት እተን ዘፈራት ምምሕያሽን ዓቐሚ ምፍፃም መንግስቲ ንምጉልባት ዝጠመተ እዩ አሎም።

ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ናህሪ ዋጋ ካብ 30 ሚኢታዊ ናብ 17 ሚኢታዊ ንኽወርድ ከምዝሓገዘ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/) ገሊፆም፡፡

ለገሰ ቱሉ (/) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ብጥቡቕ ዲሲፒሊን እናተመርሐ ዝርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ ዋጋ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ንኽውሰን ብምግባሩ ኣፍረይቲ ወርቂ ፍርያቶም ኣብ ማእኸላይ ዕዳጋ ንብሄራዊ ባንኪ ንኽሸጡ ከምዘለዓዓሎም ኣብሪሆም፡፡

እቲ መመሓየሺ ተካእቲ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘፍርዩ ትካላት እናጠናኸረ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ንኢንቨስትመንት ምስፍሕፋሕ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ሸቐጣትን ዋጋኦም ንምርግጋእ ልዑል ረብሓ ከምዘምፀአ ገሊፆም፡፡

ተግበራዊ ዝተገበረ ፖሊሲ ገንዘብ መንግስቲ ካብ ግምጃ ቤት ዝልቀሖ መጠን ገንዘብ ንኽግደብን ባንኪታት ዝህቡዎ መጠን ልቓሕ 18 ሚኢታዊ ጥራሕ ንኸዓቢ ምግባሩ ፀሪሖም፡፡

ፖሊሲ ገንዘብ ምትግባሩ ናህሪ ዋጋ ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ናብ 17 ሚኢታዊ ትሕት ክብል ከምዝገበረ ብምሕባር፤ እቲ መመሓየሺ ዕቋር ባንኪታ ንኽዓቢን ንኢኮኖሚ ዘቕርበኦ ልቓሕን እናተጠናኸረ ንኽኸይድ ከምዘኽአለ ኣብሪሆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም