ቤት ምኽርታት ኢትዮጵያን ኢራንን ሓበራዊ ርብሓ ዘጎልብት  ዘተ ኣካይዶም



 

አዲስ አበባ/ጥሪ/10/2017/ኢዜአ/ቤት ምኽርታት ኢትዮጵያን ኢራንን ሓበራዊ ረብሓ ዝሕሉን ዘጠናኸርን  ዘተ ከምዘካየዱ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝያዳ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ፣ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጠሚቱ ዘተ ኣካይዱ።

ካብ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እውን ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲን መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ዑደት ከምዝገበረ ይሕብር።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ሪፐብሊክ ኢራን ዶክተር መሓመድ ጋሊባፍ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣፋኑየሞዎሞ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም