ከተራን ጥምቀትን እንትነኽብር ዝምድናና ብዘጠናኽር ተግባር ክኸውን ከምዘለዎ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ከተራን ጥምቀትን እንትነኽብር ዝምድናና ብዘጠናኽር ተግባር ክኸውን ከምዘለዎ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/10/ 2017 /ኢዜአ/ከተራን ጥምቀትን እንትነኽብር ዝምድናና ብዘጠናኽር ተግባር ክኸውን ከምዘለዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ገሊፁ።
እቲ ባይቶ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ እንኮዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ እቲ በዓል ንማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልምዓት ዝህቦ ኣበርክቶ ብምግንዛብ ክኽበርን ነዚ ብምጥንኻር ክኸውንን ይግባእ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ብቕርስነት ካብ ዘመዝገበቶም ዘይድህሰሱ ብሄራዊ ቅርስታት ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ በዓል ሃይማኖታዊን ትውፊታዊን ክብሩ ሓሊዩ ምኽባር ካብ ዝጅምር ብዙሓት ዓማውቲ ከምዘቑፀረ ኣብሪሁ።
እቲ በዓል ንማሕበራዊ ዝምድናን ሓድነትን ምጥንኻር፣ ንህንፀት ሃገርን ቱሪዝም ኢንዱስትሪን ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነ ገሊፁ።