ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/10/ 2017 /ኢዜአ/ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ናይ አንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ ኢለን።
እቲ በዓል እንትነኽብር ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብሩ ብምሕላው፣ ሀብረ ብሄራዊነቱ ብምጥንኻር፣ ንምዕባለ ዓውዲ ቱሪዝምን ህንፀት ሃገርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብምጉልባት፣ ውቁብን ድሙቕን ብዝኾነ ኩነታት ክኸወን ከምዝግባእ ሓቢረን።