ንሰደድ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ቡን ልዕሊ 908 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ንሰደድ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ቡን ልዕሊ 908 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/12/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2017 ዓ.ም ንሰደድ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ቡን ልዕሊ 908 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻህን ኣፍሊጡ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚን ሓላፊ ዓውዲ ዕዳጋን ሻፊ ኡመር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብተን ኣዋርሕ 133 ሺሕን 63 ነጥቢ 49 ቶን ቡን ብምልኣኽ 714 ነጥቢ 99 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።
ካብ ፍሪያት ቡን፣ ሻሂን ቅመማ ቅመምን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዘኽእል ዝርዝር ዓመታዊ ትልሚ ብምስንዳእ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተኣተወ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ትልሚ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ መጠን ሰደድ ንክውስኽ፣ ፍሪያታት ብፅርየት ናብ ወፃኢ ዓዲ ንምልኣኽ ስምምዕ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ንሰደድ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ቡን ልዕሊ 908 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።