መበል 69 ፎረም ከባቢ ኣየር ቐርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ጀሚሩ

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/12/2017/ኢዜአ/ መበል 69 ፎረም ከባቢ ኣየር ቐርኒ ኣፍሪካ ክፍተታት ቕድመ መጠንቀቕታ ግልጋሎታት ከባቢ ኣየር  ብሓባር ምፅባብ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ምስላጥ ጀሚሩ

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣይተ ፈጠነ ተሾመ ኣብቲ ፎረም ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ውሳነ ንክህብ ዘኽእል ዘተኣማምንን ተበፃሕን መረዳእታ ነባሪ ኣየር ንምቕራብ እናሰርሐ 'ዩ።

ነዚ 'ውን ተበፃሕነቱ እናስፍሐ፣ ማእኸላት ክልል እናብቅዐ፣ መሳርሕታት እናዘመነን ዓቕሚ ሰራሕተኛታት እናዕበየን እናጠናኸረን ይርከብ ኢሎም።

ለውጢ ከባቢ ኣየር ስሩዕ ዘይኾነ ማይ፣ ድርቅን ልዕሊ መጠን ማይን የስዕብ። ስለዚ ሓደጋታት ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምንካይን ፀገማት ናብ ዕድላት ንምቕያርን መረዳእታ ከባቢ ኣየር ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቦም።

እተ ፎረም ሎማዓንቲ ሓዊሱ ንኽልተ መዓልትታት ክሳለጥ 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም