ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ነዳዲ ዝተሳተፉ ኩባንያታት 116 ሚልዮን ብር ንክቕፅዑ ተገይሩ እዩ-ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ነዳዲ ዝተሳተፉ ኩባንያታት 116 ሚልዮን ብር ንክቕፅዑ ተገይሩ እዩ-ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 325 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተሳተፉ ኩባንያታት 116 ሚልዮን ብር ንክቕፅዑ ከምዝተገበረ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ብፅሬት ናብ ቅልጡፍ ስርዓት ንግዲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ምክያድ ኢና ንርከብ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 28 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እውን ሓቢሮም።
‘መንደር ፅሬት’ ኢትዮጵያ ብዝውክልን ብዝነኣድን ብርኪ ምዝዛሙ ማእኸል ኩርዓት ሃገር ኮይኑ ዝተሰርሐ ስራሕ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ኣብ ኦንላይን ምዝገባን ኣወሃህባ ፍቓድን ንግዲ እውን ንስርዓት ንግዲ ምችው ንክኸውን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ብልሹው ኣሰራርሓ ኣብ ምእራምን ምዕራይን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝሰርሑ 18 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣረዲኦም።
ዕድጊት ነዳዲ ስርዓት ንምትሓዝ ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እናተጎዓዓዘ ዝነበረ 325 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለን ነዚ ዘጎዓዕዙ ዝነበሩ ኩባንያታት ድማ 116 ሚልዮን ብር ከምዝተቐፅዑን ተዛሪቦም።
ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ካብቲ ተቛሪፅዎ ዝነበረ ምዕራፍ ብምውፃእ ናብ ድርድር ከምዝኣተወ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ 5ይ ድርድር እውን ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ብምውዳብ እኹል ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም።