ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተጣየሸ “ጋዲሳ ኦዳ” ጎብንዮም




 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ብመዓርግ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማጋዲሳ ኦዳዝተብሃለ ማእኸል መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ጎብንዮም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ምምሕዳር ከተማ ኣዳማ ኣብ ኩሎም ትካላት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብዝተወደበን ዝተዋደደን መልክዕ ኣብ ሓደ ማእኸል ንምሃብ ዝተጣየሸንጋዲሳ ኦዳዝተብሃለን ስርዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ጎብንዮም።

እቲ ስርዓት ኣሰራርሓ፤ ኣብ ሓደ ማእኸል 29 ትካላት ብምትእኽኻብ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍን ውጽኢታውን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ስርዓት፣ድኻም ተገልገልቲ ዝቕንስ፣ኣታዊ ንምእካብ ምችው ዝኾነ፣ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ባህላዊ ዝኾነ ስርዓት ወረቐት ኣብ ኩሎም ትካላት ዘትረፈ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ድማ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምርግጋፅን ብልሹው ኣሰራርሓን ስርቅን ንምክልኻልን ልዑል ዕድል ከምዝፈጠረ ሓቢሮም።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ብብርኪ ከተማ ዘለዉ ትካላት ኣብ ሓደ ማእኸል ካብ ምትእኽኻብ ብተወሳኺ ትካላት ክፍለ ከተማን ወረዳን እውን ኣብ ሓደ ማእኸል ንክሰርሑ ምግባሩ ዝተባባዕን ንካልኦት ተሞኩሮ ዝኸውንን እዩ ኢሎም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም