ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነት እናተሳለጠ እዩ-ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን - ኢዜአ ትግርኛ
ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነት እናተሳለጠ እዩ-ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነትን ፅሬትን እናተሳለጠ ከምዝኾነ መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን ገሊፆም።
ደረቕ ወደብ ሞጆ ናብ ኩለ መዳያዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ ብምቕያር ንግዲ ወፃእን ኣታውን ንምቅልጣፍ ቅድሚ ዓመታት ህንፀት ምስፍሕፋሕ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ እንትኸውን፤ ብኣተሓባባሪነት ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ካብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ እቲ ፕሮጀክት ጎብንዮሞ።
መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ኢንጂነር ደሳለኝ ጌታሁን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ህንፀት ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ ሞጆ ብፍጥነትን ፅሬትን እናተሳለጠ እዩ።
ኣብ ልዕሊ 60 ሄክታር መሬት ዝሳለጥ ህንፀት ፈላማይ ምዕራፍ እዚ ፕሮጀክት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ምንፃፍ ኮንክሪት፣ኣይሲቲ፣ኤሌክትሮ ሜካኒካል፣ህንፀታት ሓጹርን መኽዝንን ዘካተተ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀት ፈላማይ ምዕራፍ እቲ ፕሮጀክት 80 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቀጻሊ ዓመት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ኣረጋጊጾም።