ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ክልል ሃረሪ መፍረያይነትን ፍርያትን እናዕበየ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ክልል ሃረሪ መፍረያይነትን ፍርያትን እናዕበየ እዩ
ሃረር/ጥሪ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ከባብያዊ ምብዳም ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ መፍረያይነትን ፍርያትን ኣብ ምዕባይ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠሩ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ግብርናን እቲ ክልል ወይዘሮ ሮዛ ዑመር ተዛሪበን።
ኣብቲ ክልል ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓጋይ ንዝሳለጥ ልምዓት ተፋሰስ መድረኽ ጎስጓስ ተኻይዱ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ግብርናን እቲ ክልል ወይዘሮ ሮዛ ዑመር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ሓረስታይ ረብሓ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ስለዝተረድኦ ስራሕ ሓለዋ ማይን ሓመድን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናስፋሕፍሖ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ንወለዶ ዝለምዐን ሓምለዋይን ከባቢ ንምርካብ ምችው ኩነታት እናፈጠሩ ከምዝርከቡ ተዛሪበን።
ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ብርሑቕ ተዃዒቱ ዝርከብ ዝነበረ ማይ ከርሰ ምድሪ ብቐረባ ንክርከብ ከምዘኽኣለ እውን ብምሕባር፤ እተ ሓረስታይ ስራሕ ልምዓት መስኖ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቡ ንከረጋግፅ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊፀን።
ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ኣብ 16 ተፋሰሳት ልዕሊ 900 ሄክታር መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሓመድን ማይን ንምስላጥ ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ኣረዲአን።